Fana: At a Speed of Life!

160 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ትምህርቲ ተረባሕቲ ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ማልት) 160 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ክልል መርሃ ግብሪ ዲጂታል ትምህርቲ ተረባሕቲ ንክኾና ከምዝገበረት ኣፍሊጣ።

ኣተሓባባሪ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ማልት ኣይተ ንጉሰ ገብረክርስቶስ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብገመድ ኣልቦ(ዋይፋይ) ዝሳለጥ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ድልየት ትምህርቲ ተምሃሮ ክብ ንክብል ገይሩ ኢዩ።

ብታብሌት፣ ሞባይልን ላፕቶፕን ብምሕጋዝ ዝወሃብ ዘሎ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ተምሃሮ ሓምሻይ ክፍሊ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ናይ ምፅሓፍን ምዝራብን ክእለቶም ንክዓቢ ከምዝገበረ ገሊፆም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 40 ኣብያተ ትምህርቲን 7 ሺሕን 200ን ተምሃሮ ሓምሻይ ክፍሊን ብብርኪ ፈተነ ዝተጀመረ እቲ መርሃ ግብሪ፥ ሎሚ ዘበን ናብ 160 ኣብያተ ትምህርቲ ክሰፍሕ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ 28 ሺሕን 800 ተምሃሮ ሓምሻይ ክፍሊ ድጂታላይዜሽን ትምህርቶም ይከታተሉ ከምዘሎዉ ሓቢሮም።

ወረቐት ኣልባ ብዝኾነ ፕሮግራም ካብ ዝወሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ እንግሊዝኛ፣ ሒሳብ፣ ሳይንስን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ብኣብነት ተረቋሕቲ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.