Fana: At a Speed of Life!

160 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ ) 160 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብሓገዝ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት (ኣይኦኤም) ካብ የመን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ሎሚ መዓልቲ ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ 160 ስደተኛታት፥ እቶም 42 ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝተረፉ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ዝተመለሱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፥ ትራንስፖርት ወፃኢኦም ብዲፓርት ህዝቢ፣ ስደተኛታትን ፍልሰትን ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዝተሸፈነ ተገሊፁ፡፡

ኣይኦኤምከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ወርሒ ጉንበት 2020 ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 11 ሺሕ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንኽምለሱ ክገብር ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዘሓለፉ ሸውዓተ ዓማውቲ ኣብ ውሽጢ ጎንፂ ኣብ ትርከብ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ ንኽዕወት መንግስታት ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣገንዚበን፡፡

ፍልፍል፡- ኣይ ኦ ኤም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.