Fana: At a Speed of Life!

165 ኢትዮጵያውያን ካብ ሊባኖስ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሊባኖስ ብመስራሕቶም በደልን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን፣ ጉድኣት ኣካልን ስነ-ኣእምሮን ዝበፅሖም ከምኡ እውንምግብን መፅሊን ስኢኖም ዝነበሩ 165 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄኔራል ምስ ማሕበር ኮሙዩኒቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ሓገዝ ዝገብሩ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ብምትሕብባር ጉዳያት ሰነድ ጉዕዞን ካልኦትን ብምውዳእ ትማሊ ምሸት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጀነራል፥ እቶም ኢትዮጵያውያን ይበፅሖም ካብ ዝነበረ በደል ንኽናገፉን ዘድሊ ወፃኢታትን ብምሽፋን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝገበሩ ኣባላት ማሕበር ኮሙዩኒቲ ኢትዮጵያ፣ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ምስጋና ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 157 ዜጋታት ኣብ ውሽጢ መዓስከር ማሕበር ኮሙዩኒቲ ኢዮጵያ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄኔራል እቶም ዜጋታት ናብ ሃጎም ንምላስ ሰነድ ጉዕዞኦምን ካልኦት ጉዳያትን እናመዓራረየሎም ከምዝርከብ ተገሊፁ።

እቶም ዜጋታት ናይ ትራንስፖርትን ካልኦት ወፃኢታትን ተሸፊኑሎም ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝተጀመረ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቱ።

ብኻሊእ መዳይ ወፃኢኦም ባዕሎም ሸፊኖም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ተመዝጊቦም ፍቓድ መንበሪ ዘይነበሮም 75 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት፥ መውፅኢ ቪዛን ሰነድ ጉዕዞን ተሰሪሑኖም ሎሚ መሽት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኢዮም ተባሂሉ።

ካልኦት 155 ዜጋታት ኣብዚ ሰሙን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ እውን ኣብ ሊባኖስ ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጀነራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.