Fana: At a Speed of Life!

2 ሺሕን 525 ተተኮስቲ ጠያይቲ ተታሒዞም

አዲስ አበባ ፣ ጥር 6 ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መቆፃፀሪ ጣቢያ ወልዲያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብተሸከርካሪት ተሓቢኡ እናተጉዓዘ ዝነበረ 2 ሺሕን 525 ጠያይቲ ከምዝሓዘ ኮሚሽን ጉምሩኽ ጨንፈር ኮምቦልቻ ኣፍሊጡ።

መራሒ ጉጅለ ትምህርቲን ስልጠናን ዓማዊል እቲ ጨንፈር ኣይተ ኣሳምነው ኣዳነ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ተተኮስቲ ጠያይቲ ትማሊ ለይቲ ኣብ መቆፃፀሪ ጣቢያ ወልዲያ ብዝተገበረ ፍተሸ ኢዩ።

እቶም ጠያይቲ ካብ ኣላማጣ ናብ ባህርዳር እናተጓዓዘት ኣብ ዝነበረት ኣይሱዚ ኣብ ውሽጢ ሽጉርቲ ተሓቢኡ ክሓልፍ እንትብል ብዝተገበረ ፍተሸ ክርከብ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምትሕብባር እቲ ሹፌር ሓዊሱ ሰለስተ ተጠርጠርቲ ከምዝተትሓዙ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.