Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

January 2020

ሕድ ሕድ ሸማታይን ተጠቃማይን ዕዳጋ እንትገብር ባህሊ ምሕታትን ምቕባልን ካርነ፣ ከማዕብል ይግባእ – መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕድ ሕድ ሸማታይን ተጠቃማይን ዕዳጋ እንትገብር ባህሊ ምሕታትን ቅብሊትን ካርነ ከማዕብል ከምዝግባእ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ገሊፁ። እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መልእኽቲ፥ ቅብሊት ኣብ ምቕባልን ብመልክዕ ቫት ዝእከብ ናይ ሓደራ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መገደኛታቱን ሰራሕተኛታት በረርኡን ብዓለም ለኸ መለክዒ ጥንቃቐ ቫይረስ ኮሮና ብምግባር ናብ ቻይና በረርኡ እናካየደ ምዃኑ ገሊፁ

አዲስ አበባ፣ ጥር 21፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መገደኛታቱን ሰራሕተኛታት በረራን ዓለም ለኸ መለክዒ ብዝሓለወ መልክዑ ሓለዋን ጥንቃቐን ቫይረስ ኮሮናን ብምግባር ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ እናቐፀለ ምዃኑ ገሊፁ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ…

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይተ ለማ ምስ ሚኒስቴር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይተ ለማ መገርሳ ምስ ሚኒስቴር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዢያን ባብቲስት ሌሞይን ተዛትዮም። ብሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይተ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ላዕለዎት መኮንናት ኢትዮጵያ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ብቅድሚ ትማሊ…

ብቫይረስ ኮሮና ተጠርጢሮም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝፀንሑ 4 ኢትዮጵያውያን ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቫይረስ ኮሮና ተጠርጢሮም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝፀንሑ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ሕማም ናፃ ምዃኖም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። እቶም ተጠርጠርቲ ካብ ቻይና ናብ ኢትዮጵያ ምስ መፅኡ እቲ ሓደ ምልክት ሰዓል ስለ ዝተርኣየሉ፤ ኣብ ክትትል ሕክምና…

ጋንታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ብሰፊሕ ኣፋላላይ ሸቶ ተሳዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተካየደ ብሕታዊ ፀወታ መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ብሰፊሕ ኣፋላላይ ሸቶ ተሳዒራ። እታ ጋንታ 5 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ኢያ ተሳዒራ። እተን ሸቶታት ድማ ሃብታሙ ገዛሀኝ ኣብ…

ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዞባ ኢንዱስትሪ ኢስተርን ዱከም ዑደት የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዞባ ኢንዱስትሪ ኢስተርን ከተማ ዱከም ዑደት የካይዱ ኣለዉ። ኣብ ዑደቶም ድማ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ናይቲ ዞባ ኢንዱስትሪ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም። ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ካብ 16 ጥሪ ጀሚሮም ኣብ ከተማ ኣዳማ…

ኣብ ሃገራዊ መረፃ ኣድሂቦም ዝፍነዉ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን ምቁፅፃር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መፃኢ ሃገራ መረፃ ብሰላማዊ መገዲ ንኽካየድ ኣብ መረፃ ኣድሂቦም ዝፍነዉ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን ምቁፅፃር ከምዝግባእ ማእኸል ምዕባለ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን (CARD)ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸብቲ ሓፋሽ…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሽመት ሰለስተ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሽመት ሰለስተ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ። እቲ ባይቶ 5ይ ዘመን ስራሕ መበል 12 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ። ኣብ ስሩዕ ኣኼብኡ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝቐረቡሉ ሽመት ሰለስተ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ ኣሎ።…

ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ልዕሊ 35 ኩንታል መዐወኒ ሓሽሽ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ልዕሊ 35 ኩንታል መዐወኒ ሓሽሽ ከምዝተትሓዘ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። እቲ መዓወኒ ሓሽሽ፥ ብኤፍ ኤስ ኣር መኪና ተፃዒኑ እንትዘዋወር ከምዝተትሓዘ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኮማንደር ዳንኤል ኣረጋ ተዛሪቦም። እቲ…

መድረኽ ዘተ ሰብ ሞያታት ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ – ጀርመን ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽልተ መዓልቲታት እናተካየደ ዝፀንሐ ሓበራ መድረኽ ዘተ ሰብ ሞያታት ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮጵያን ጀርመንን ተዛዚሙ። ክሊቲኦም ወገናት ኣብ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ.ም ብመሰረት ኣብ በርሊን ዝተፈራረሙዎ ስምምዕነት ሓበራ ኮሚሽንን ድሌት…