Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

January 2020

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ረቂቅ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀት ብር 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብምፅዳቕ ጉባኤኡ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ 5ይ ዘመን ስራሕ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤኡ ረቂቅ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀት ብር 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ካልኦት ኣዋጃትን ብምፅዳቕ ኣኼቡኡ ዛዚሙ። እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣብ አጠቃቅማ ምሕደራ መሬትን ፕላን ከተማን ዝነበረ ፀገም…

መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ገናሌ ዳዋ III ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክምረቕ ኢዩ

መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ገናሌ ዳዋ III ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክምረቕ ኢዩ ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥሪ ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)250 ሜጋ ዋት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ ግድብ ገናሌ ዳዋ III፥ 26 ጥሪ 2012 ዓ.ም ከምዝምረቕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። መፈልፈሊ ሓይሊ…

ኣብ መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ንስሑል ሽረ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ

ኣብ መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ንስሑል ሽረ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ቀፂሉ ውዒሉ። ኣብ ስታዲየም…

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሹመት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሹመት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣፅዲቑ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ 5ይ ዘመን ስራሕ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤኡ ኢዩ ነቲ ሽመት ዘፅደቖ። ብመሰረት እዚ፦ 1. ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረዝጊሔር…

ጉዳይ ዝተጨውያ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዘፃሪ ጉጅለ ምርመራ ተጣይሹ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉዳይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ዝተጨውያ ተምሃሮ ዘፃሪ ጉጅለ ምርመራ ተጣይሹ እናተሰርሐ ምዃኑ ጀነራል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እንደሻው ጣሰው ገሊፆም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፣ ጀነራል…

ናሳ ብዛዕባ ፀሓይ ሓበሬታታት ትእክብ ሓዳሽ መንኮራኹር ናብ ህዋ ክልእኽ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ (ናሳ) ብዛዕባ ፀሓይ ሓበሬታታት ትእክብ ሓዳሽ መንኮራኹር ናብ ህዋ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ። እታ ብምትሕብባር ናሳን ትካል ምርምር ጠፈር ኣውርፓን ትለኣኽ መንኮራኹር፥ ዋልታ ሰሜንን ደቡብን ፀሓይ ዘርኢ ፈላማይ ምስሊ ናብ መሬት…

ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይተ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፈረንሳይ ዑደት ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ኣይተ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ላዕለዎት መኮንናት ኢትዮጵያ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፈረንሳይ ዑደት ይገብር ኣሎ። እቲ ልኡኽ፥ ምስ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ፕዚዳንት፣ ሚኒስትር ምክልኻል ፈረንሳይ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት…

መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ኣብ ከተማ ውቕሮ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ኣብ ከተማ ውቕሮ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ። እቲ በዓል “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ኣብ ከተማ ውቕሮ ስታድየም መለስ ካብ ንጉሆ ስዓት 12…

ኣብ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ካብ ቻይና ኣብ ዝመፅኡ ኣባላት ስድራ ቤት ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ካብ ቻይና ዝመፅኡ ኣባላት ስድራ ቤት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ገሊፁ። እቶም በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ዝተብሃሉ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ፅቡቕ ኩነታትን ከምዝርከቡን ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም…

ኣብ ክልል ሶማሌ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት እናዘዋወሩ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት እናዘዋወሩ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም። ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ኣብ ጥቓ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ዝርከብ ጣቢያ መቆፃፀሪ መጋሎቀረን ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ፍተሻ፥ ብዶብ ቶጎጫሌ ኣቢሎም…