Fana: At a Speed of Life!

21 ሺሕን 695 ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲን ልዕሊ 13 ሚሊየን ካሬ ሜትሮ መሬትን ብዘይሕጋዊ መገዲ ከምዝተትሓዙ ምርግጋፁ ወ/ሮ ኣዳነች ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ወረራ መሬትን ወናኒ ኣልቦ ህንፃታትን ከምኡ እውን ምስ ኮንዶሙኒየምን ገዛውቲ ቀበሌን ብዝተገበረ ምፅራይ ዝተረኸበ ውፅኢት ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

በመግለጫቸውም በአጠቃላይ በከተማችን 13 ሚሊየን 389 ሺህ 955 ካሬ ወይም 1 ሺህ 338 ሄክታር መሬት በህገወጦች መያዙን አስታውቀዋል።

ኣብታ ከተማ ዝተፈፀመ ወረራ መሬት ዝፀንሐ ታሪኽ ዘለዎን በቢእዋኑ እናተደራረበ ዝመፅን ዘይሕጋዊ ተግባር ኢዩ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ፥ ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዝተገለፀ እውን ካብ 1997 ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ብዝተፈላለዩ ኣግባባት ዘይግዊ ወረራ መሬት እናተፈፀመ ከምዝነበረ ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ 2010 ዓ.ም ሃገራዊ ለውጢ ቅድሚ ምምፅኡ ሰፊሕ ወረራ መሬት ከምዝነበረን ድሕሪ ለውጢ እውን ሓፈሻዊ ኣመራርሓ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓታት ብግቡእ ብዘይምክልኻሎም እቲ ፀገም ክደራረብ ገይሩዎ ኢዩ ኢለን።

ሰብ ዘይብሎም ህንፃታትን ገዛውቲን ኣብ ዝምልከት ብድምር 322 እንትኾኑ፥ ስፍሓት ቦተኦም ድማ 229 ካሬ ሜትሮ ከምዝኾነ ተፈሊዩ ኢዩ፡፡

ኮንዶሚኒም ገዛውቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ መፅናዕቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ድማ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ዝተተሓዙ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ብሓፈሻ 21 ሺሕን 695 እንትኾኑ፥ 15 ሺሕን 891 ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ መረዳእታ ዘይቀረበሎም ከምዝኾኑ ገሊፀን።

4 ሺሕን 530 ባዶ ዝኾኑ፣ 850 ዝተዓፀዉ፣ ከምኡ እውን 424 ብዘይሕጋዊ መልክዑ ብውልቀ ሰባት ተታሒዞም ከምዝርከቡን ብዘይዕጫ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ናብ ተረባሕቲ ውልቀ ሰባት ዝተመሓላለፉ ድማ 51 ሺሕን 64 ገዛውቲ ኮይኖም ተረኺቦም፡፡

ኣብ ሞንጎ ስም ዝርዝር ብኮርፖሬሽን መንበሪ ኣባይቲ ተመዝጊቡ ዝርከብ ባዓል ዕፃን ኣብ ሜዳ ዝተረኸበ ስምዝርዝር ተጠቀምቲን ኣፈላላይ ዘለዎም ገዛውቲ 132 ሺሕን 678 ከምዝኾኑን 18 ሺሕን 423 መንበሪ ኣባይቲን ድማ ስም ሰብ ዋና ዘይብሎም ከምዝኾኑ ኣብቲ መፅናዕቲ ተፈልዩ ኢዩ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ካብ ቤት ፅሕፈት መንበሪ ኣባይቲ ወረዳታት ዝተረኸበ ሓበሬታ መሰረት፤ ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ እቲ ምምሕዳር ከተማ 150 ሺሕን 737 ገዛውቲ ቀበሌን ቤታት ንግዲን ኣለዉ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ መፅናዕቲ ተበፃሒ ክኾኑ ዝኸኣሉ ድማ 138 ሺሕን 652 መንበሪ ኣባይቲ ቤታት ንግዲን ኢዮም፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 10 ሺሕን 565 ገዛውቲ ቀበሌ ብዕድጊት መፍቱሕ፣ ሰቢርካ ብምእታው ብኻልኦት ሕጊ ዘይፈቕሮን ዘይሕጋዊ መገዲ ተታሒዞም ኢዮም ኢለን እተን ምክትል ከንቲባ፡፡

ኣብቲ መፅናዕቲ ተበፃሕቲ ካብ ሞንጎ ዝተገበሩ ገዛውቲ ቀበሌ፡-

1.7 ሺሕን 723 ገዛውቲ ውዕሊ ዘይብሎም (ዘይሕጋዊ) ብዝኾኑ ሰባት ተታሒዞም፡፡

  1. 2 ሺሕን 207 ገዛውቲ ቀበሌ ናብ ውልቀ ዝተዛወሩ፣
  2. 265 ገዛውቲ ብሳልሳይ ወገን ዝተትሓዙ፣
  3. 164 ኮንደምንየም ብዝበፅሖም/ናይ ባዕሎም ገዛ ብዘለዎም ሰባት ዝተትሓዙ ገዛውቲ ቀበሌ ምህላዎም
  4. 137 ንመንበሪ ዘገልግሉ ገዛውቲ ቀበሌ ብመሸጣ ናብ ውልቀ ዝተመሓላለፉ፤
  5. 1 ሺሕን 243 ተዓሽጎም/ተዓፂዮም ዝተቐመጡ፣
  6. 5 ሺሕን 43 ዝፈረሱ፤
  7. 180 ኣድራሻኦም ዘይፍለጡ/ዝጠፍኡ መንበሪ ኣባይቲ ቀበሌ ከምዘለዉ ተረጋጊፁ፡፡

ናይ ቀበሌ ገዛውቲ ንግዲ ኣመልኪተን ኣብ ዘሃበኦ መግለፂ ብሓፈሻ ገዛውቲ ንግዲ በዝሖም 25 ሺሕን 96 እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶምብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተትሓዙ በዝሒ ገዛወርቲ ንግዲ 4 ሺሕን 76 ኢዮም።

  1. 1 ሺሕን 70 ቤታት ንግዲ ውዕሊ ዘይብሎም ነጋዶ ይጥቀሙሎም ከምዝኾ ተፈሊዮም
  2. 2 ሺሕን 451 ገዛውቲ ንግዲ ቀበሌ ካብ ሓደ ንላዕሊ ገዛ ንግዲ ዘሓዙ 1 ሺሕን 86 ነጋዶ ከምዝተትሓዙ ተፈሊፆም
  3. 376 ገዛውቲ ንግዲ ቀበሌ ድማ ብሳልሳይ ወገን ተኻራዪ ተኻራዪ ከምዝተትሓዙ ተፈልዩ ኢዩ፤
  4. 179 ዝተዓሸጉ ገዛውቲ ንግዲ ከምዘለዉ እውን ንምፍላይ ተኻኢሉ ኢዩ።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.