Fana: At a Speed of Life!

23 ሺሕ ግራም ወርቂ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር እንትወፅእ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)23 ሺሕ ግራም ወርቂ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር እንትወፅእ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቲ መጠን ወርቂ ናይጄሪያዊ ዜግነት ዘለዎ ውልቀ ሰብ ካብ ሃገር ንምውፃእ ኣብ መገዲ ኣየር ቦሌ ከምዝተትሓዘ እቲ ሚኒስቴር ተዛሪቡ።

እቲ ውልቀ ሰብ ነቲ ወርቂ ናብ ዱባይ ንምውሳድ ዓሊሙ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩክን ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ቁፅፅር ንዘውዓሉ ኣመራርሓ ቤት ፅሕፈት ቦሌ፣ ሰራሕተኛታትን ኣካላት ፀፅታን አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.