Fana: At a Speed of Life!

251 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)251 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ሎሚ መዓልቲ ካብ ስዑድ ዓረብ ከተማ ጅዳ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲን ዝተፈላለዩ ፀገማትን ዝነበሩ ከምዝኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዝምልከቶም ቤት ዕዮታትን ዝተወከሉ ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስዑድ ዓረብ ከተማ ጅዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ፀገማት ዝነበሩ 274 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.