Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ደረጃ ንታሕቲ ዝተብሃላ 11 ኣብያተ ትምህርቲ ኣፍልጦአን ተሰሪዙ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ደረጃ ንታሕቲ ዝተብሃላ 11 ኣብያተ ትምህርቲ ኣፍልጦአን ተሰሪዙ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ በዓል መዚ ምርግጋፅ ፅርየት፣ ሙያዊ ብቕዓትን ምዘናን  ትምህርቲን ስልጠና እታ ከተማ ወይዘሮ ሸዊት ሻንካ ከምዝበለኦ፥ ኣብታ ከተማ ዝርከባ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኣብያተ ትምህርቲ ግቡእ ኣገልግሎት ንክህባ ናይ ከልተ ዓመት ምዘና ንክገብራ ይግደዳ ኢየን።

ስለዝኾነ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ዓ.ም ቅድሚ ምጅማሩ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ብፅርየት፣ ቁፅፅር ናይ ምግባርን ብዝተቐመጠ ደረጃ መሰረት ናይ ምምዛን ስራሕቲ ተፈፂሙ ኢዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከባ 672 ነባርን 51 ሓደሽቲን ቅድመ ስሩዕ፣ ስሩዕ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተመዘና ተዛሪበን።

ካብዚአን ብዝተቐመጠ መለክዒ ምንም ዓይነት መስተኻኸሊ ዘይገበራ ሓሙሽተ፣ ሎሚ ዘበን ብዝተገበረ ክትትልን ቁፅፅርን መለክዒ ዘየማልኣ ሽዱሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ተፈሊየን።

ብድምር እተን 11 ኣብያተ ተምህርቲ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርኣብ ተምሃሮን መምህራንን ናይ ጥዕና ስግኣት ዘስዕባ ምዃነን ብምርግጋፁ ናይ ኣፍልጦ ፍቓደን ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጠን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.