Fana: At a Speed of Life!

29 ለካቲት ካብ ኣደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ መቐለ ጉዕዞ እግሪ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)29 ለካቲት 2012 ዓ/ም ካብ አደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ ጉዕዞ እግርን ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ሽግ ኦሎምፒክ ቶክዮን ከምዝካየድ ማሕበር ልምዓት ጮምዓ መስቀል መቐለ ገሊፁ።

እቲ ጉዕዞ እግሪ “ጥዕናን ልምዓትን ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እንትኸውን፥ ማሕበር ልምዓት ጮምዓ ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ፣ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ፣ ጃንትራ ኤቨንትስን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ከምዝኾነ ኣቦ ወንበር እቲ ማሕበር ገብረህይወት ተኽለሃይማኖት ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ብምኽንያት ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ትዘዋወር ዘላ ሽግ ኦሎምፒክ፥ ኣብቲ ዕለት ኣብ ከተማ መቐለ ኣቀባባላ ከምዝግበረላ ዋና ፀሓፊ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ማሞ ገሊፆም።

እቲ ምድላው 29 ለካቲት 2012 ዓ/ም ንጉሆ ስዓት 12 ዝጅምር እንትኸውን፥ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ነዚ ፈሊጡ ስፖርታዊ ምንቅስቓስን ኣቀባብላ ሽግን ክገብር ፀዊዖም።

ማሕበር ልምዓት ጮምዓ መስቀል መቐለ፣ ጎቦ ጮምዓ ንምልማዕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ዝርከብ እንትኸውን፥  ኣካል እዚ ድማ በቢ ወርሑ ጉዕዞ እግርን ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ከካይድ ፀኒሑ እዩ።

ፍልፍል፦Tigray Mass Media Agency

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.