Fana: At a Speed of Life!

299 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)299 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ትማሊ ተመሊሶም።

እቶም ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝኣተዉን ኣብ ከተማ ጅዳ ተኣሲሮም ዝነበሩ ከምዝኾኑን ተሓቢሩ።

ምስ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብምትሕብባር ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ካብ ሞንጎ ዝተገበሩ ኢትዮጵያውያን እተን 264 ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና፥ እቶም 35 ድማ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.