Fana: At a Speed of Life!

333 ኢትዮጵያውያን ካብ ቤሩት ናብ ሃገሮም ሎሚ መዓልቲ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 333 ኢትዮጵያውያን ካብ ቤሩት ናብ ሃገሮም ሎሚ መዓልቲ ተመሊሶም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስቴር ሰላምን ብሓባር ብምዃን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ኢዮም እቶም ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ንምርመራን ክትትልን ቫይረስኮሮና ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝኣትዉ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኢዮም ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.