Fana: At a Speed of Life!

50 ኣባላት ኣመራርሓ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ወርሓዊ መሃየኦም ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ኣወፊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)50 ኣባላት ኣመራርሓ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ወርሓዊ መሃየኦም ኣወፊዮም።

እቶም ኣመራርሓታት ትማሊ ኣብ ዘሳለጥዎ ኣኼባ ኢዮም ነቲ ሓገዝ ከምዘወፈዩ ዝገለፁ።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዘካየዶ መርሃግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ካብ ዝረኸቦ ወፈያ እቲ 100 ሚሊየን ብር፥ ቫይረስኮረና ንምክልኻል ክውዕል ወሲኑ ኢዩ።

እቲ ገንዘብ ናውቲ መከላኸሊ ቫይረስኮሮና ንምግዛእ ዓቕሚ ንዘይብሎም ኣብ መላእ እዛ ሃገር ንዘለዉ ወገናት ከምዝውዕል ምግላፁ ይዝከር።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.