Fana: At a Speed of Life!

50 ስደተኛ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ሱዳን ጥሒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)50 ስደተኛ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ሱዳን ጥሒሎም ህይወቶም ከምዝሓለፈ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሰብ መዚ ሱዳን ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ስደተኛታት ብኣዘዋወርቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተጓዓዙ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ 4 ሺሕን 850 ሱዳናውያን፣ ሶሪያውያን፣ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ዝርከቡዎም ኢዮም፡፡

መቐመጢኡ ካርቱም ዝገበረ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ደቡብ ሱዳን ኣኮል ማሎንግ ፀሪሑ ሬዲዮ ኣይ ከምዝፀብፀቦ፥ እቶም ስደተኛታት ናብ ጣሊያን ዘቕንዑ ከምዝኾኑን ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 35 ከምዝኾኑን ተሓቢሩ፡፡

መበገሲኦም ሊቢያ ዝገበሩ እቶም ስደተኛታት ናብ ጣሊያን እናተጓዓዙ ኢዩ እታ ጀልባ ኣብ ባሕተሪ ሜዲትራኒያን ጥሒላ ዘላ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ 50 ዝኾኑ ደቡብ ሱዳናውያን ህይወቶም እንትሓልፍ፥ 280 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሆስፒታላት ጣሊያን ክትትል ሕክምና እናገበሩ ከምዝኾኑ ሓበሬታታት የረድኡ፡፡

ፍልፍል፡- ሱዳን ፖስት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.