Fana: At a Speed of Life!

500 ኣቢያተ ትምህርቲ ዝሓቖፈ ፕሮጀክት ምገባ ቤት ትምህርቲ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ትካል መድሕን ህፃናት ብምትሕብባር 500 ኣቢያተ ትምህርቲ ዝሓቖፈ ፕሮጀክት ምገባ ቤት ትምህርቲ ዕላዊ ገይሩ።

በቲ ሃገር በቆል ዝኾነ ፕሮጀክት ምገባ ኣቢያተ ትምህርቲ፥ ልዕሊ 163 ሺሕ ተምሃሮ ኣካል እቲ ምገባ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮግራም ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ኣብ ዝርከባ 13 ወረዳታት ተግባራዊ ዝግበረ ኢዩ።

ቅድመ ስሩዕን ቀዳማይ ብርኪን ኣቢያተ ትምህርቲ ዝካተቱሉ ፕሮግራም እንትኸውን፥ ንሓደ ዓመት ከምዝፅንሕ እውን ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ትምህርቲ ኣይተ ሚሊየን ማቴዎስ፥ እቲ ፕሮጀክት ተስፋ ፅባሕ ዝኾኑ ህፃናት ካብ ቤት ትምህርቲ ከይተርፉን ትምህርቶም ብትኹርት ንኽከታተሉን ዓቢዩ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ትካል መድሕን ህፃናት ኣብ ኢትዮጵያ ኢኪን ኦጉቶጉላሪ ብግደአን፥ እቲ ፕሮጀክት ትካሎም ትኹረት ገይሩ ካብ ዝሰርሐሎም ዓውዲታት ሓደ ኮይኑ ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.