Fana: At a Speed of Life!

6ይ ሃገራዊ መረፃ ውፅኢታዊን ተኣማኒን ንኽኸውን ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዕዙዝ ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)”ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ” ብዝብል ርእሲ ምስ መዳርግቲ ኣአካላት መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ወይዘሮ ወርቅነሽ ብሩ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ተካይዶ መረፃ ተኣማኒ፣ ግልፂን ሰላማዊን ንኽኸውን መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፀን፡፡

መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ቅድሚ መረፃ፣ እዋን መረፃን ድሕሪ መረፃን ክገብሩዎም ብዛዕባ ዝግብኡ ጉዳያት ኣልዒለን።

ኣብ እዋን ቅድመ መረፃ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝሓዙዎም ፕሮግራማትን ማኒፌስቶታትን ብትኽክል ናብ ሕብረተሰብ ብምብፃሕ ሕብረተሰብ ንኽውስን ክገብሩ ይግባእ ኢለን።

ኣብ እዋን መረፃ እውን ሕብረተሰብ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ወፂኡ ንኽመርፅ፤ ኣብ እዋን ድሕሪ መረፃ ድማ ትኽክለኛ ውፅኢቱ ሓበሬታ ብግቡእ ብምፅብፃብ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.