Fana: At a Speed of Life!

6ይ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ ንኽኸውን ኣድላዪ ምድላው ብምዝዛም ናብ ስራሕ ምእታዉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ ንኽኸውን ኣድላዪ ምድላው ብምዝዛም ናብ ስራሕ ምእታዉ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ንሕብረተሰብ ስግኣት ዝኾኑ ገበናት ንምልክልኻል ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም፥ ኮሚሽን ፖሊስ ምስ ፖሊስ ፌዴራል፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ምስ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባን ካልዞት ኣካላት ፀፅታን ብምውዳድ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፁ፡፡

ካብ መረፃ ሓሊፉ ንሕብረተሰብ ስግኣት ዝኾኑ ገበናት ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፥ ክሳብ ሕዚ ብዝተሰርሑ ተግባራት ከይዲ ቅድመ መረፃ ክህውኽ ዝኽእል ፀገም እንተይ ኣጋጠመ ብሰላም ክዛዘም ምግባር ተኻኢሉ ኢዩ፡፡

ንስራሕቲ ፀፅታ ዘድልዩ እታወታት ከምዝተማልኡ ዝገለፀ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፥ ኣመራርሓ ፖሊስን ኣባላቱን ብዝወፅአ ትልሚን ኣንፈት ምውፋርን  መሰረት ብምግባር መምርሒ ስራሕ ተዋሂቡዎም ኣብ ዝተመደቡሉ ቦታ ከምዝርከቡ ገሊፁ።

ኣድላዪ ሓበሬታ ብመሃብ ንኣካላት ፀፅታ ኣብ ስራሕቲ ፀፅታ ድጋፍ እናገበረ ዝርከብ ደላዪ ሰላም ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ናይ ባዕሉ ግደ ብምውፃእ ሓገዙ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅልን ዘጠራጥር ነገር እንተጋጥም ድማ ኣብ ጣቢያታት መረፃን ኣብ ኩለን ከባቢታት ንዝርከቡ ኣካላት ፀፅታ ብኣካል ወይድማ ቀፂሎም ብዝተፀርሑ ቁፅሪ ስልኪታት ንኸፍልጥ ፀዊዑ።

  • ፌደራል ፖሊስ 0115526303 ናፃ ስልኪ መስመር 987
  • ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ 011-1 11-01-11 ናፃ ስልክ መስመር 991
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ቦሌ 0116674618
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ኣዲስ/ከተማ 0112733743
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ 0113717753
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ን/ስ/ላፍቶ 0114431529
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ኣራዳ 0111573426
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ልደታ 0115153760
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ጉለሌ 0111575059
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ የካ 0116183339
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ቂርቆስ 0115528044
  • መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ኣቃቂ 0114391437
  • ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ክፍለ ከተማ የካ ዝተጠርነፉ ነበርቲ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ናብ መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ የካ፤ ምስ ክፍለ ከተማ ቦሌ ዝተጠርነፉ ነበርቲ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ናብ መምርሒ ፖሊስ ክ/ከተማ ቦሌ ብምድዋል ንኽተሓባበሩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ መልእኽ ኣመሓላሊፉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.