Fana: At a Speed of Life!

6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ተዛዚሙ – ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ መረፃ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ከይዲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ፈተነ ተገይሮም ከምዝነበሩ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፥ ይኹን እምበር እቲ ፈተነ ብሓይሊታት ፀፅታ ከምዝፈሸለ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ክልተ ጣቢያታት መረፃ ሁውከት ዝተፈጠሩ ፀረ ሰላም ክድምሰሱ ከምዝኻኣሉ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ከይዲ ሓደ ኣባል መኽበሪ ሰላም ህይወቱ ከምዝሓለፈ ኮሚሽነር ደመላሽ ገሊፆም፡፡

ብሓፈሻ ከይዲ መረፃ ንምህዋኽ ዝፈተኑ 123 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ዝወዓሉ እንትኾኑ፥ እቶም 42 ቀሊል ቅፅዓት ተመሓላሊፉዎም ኢሎም፡፡

እቲ መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ንኽዛዘም ምትሕብባር ሕብረተሰብ፣ ፓርቲታት ፖለቲካ ንንሕንሕ ጥራሕ ተዳሊኻ ምምፃእ፣ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ዝተጠናኸረን ስራሕቲ ፀፅታ ምስርሑን ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮ ኣኣብሪሆም፡፡

ኮሚሽኑም በድህረ ምርጫ ሊከሰት የሚችል የፀጥታ ችግርን ለከመከላከል ሙሉ ዝግጅት አድርጌያለሁ ብሏል

ድሕሪ መረፃ ክፍጠር ዝኽእል ፀገም ፀፅታ ንምክልኻል እውን ሙሉእ ምድላው ከምዝገበረ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ፡፡

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.