Fana: At a Speed of Life!

6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ዝተዋደደ ፖርክ ኢንዱስትሪ ግብርና ቡልቡላ ሎሚ መዓልቲ ክምረቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ዝተዋደደ ፖርክ ኢንዱስትሪ ግብርና ቡልቡላ ሎሚ መዓልቲ ክምረቕ ኢዩ።

ዝተዋደደ ፖርክ ኢንዱስትሪ ግብርና ቡልቡላ ክሳብ 200 ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ዘተኣናግድ ኢዩ ተባሂሉ።

ህንፀት እቲ ፓርክ ሰለስተ ዓማውቲ ዝወደአ እንትኸውን፥ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ካብ 70 ክሳብ 100 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ።

ኒ ፓርክ ዝከውን እታዎት ዘቕርቡ ማእከላት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ዞባታት ይለምዑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ናብቲ ፓርክ ንዝኣትዉ ሰብ ሃፍቲ መንበሪ ኣባይቲ ሓዊሱ ኣድላዪ መሰረተ ልምዓታት ተማሊኡሎም።

እቲ ፓርክ ብድምሩ ኣብ 271 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዝዓረፈ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብፍሬህይወት ሰፊውን ዙፋን ካሳሁንን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.