Fana: At a Speed of Life!

76 ንፁሃን ዜጋታት ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ህይወቶም ንኽጠፍእ ዝገበሩ ተኸሰስቲ ክሳብ ዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ተወሲኑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳታት ማንዱራ፣ ዳንጉርን ፓዊ 76 ንፁሃን ዜጋታት ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ህይወቶም ንኽጠፍእ ዝገበሩ ተኸሰስቲ ከከም ተሳትፎ ገበኖም ክሳብ ዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ተወሲኑዎም።

እቶም ተኸሰስቲ ኣብቶም ዝተፀርሑ ከባቢታት ብዝተወለዐ ሕድሕድ ኲናት ንኽለዓልን ብሄር ተኮር ጎንፂን ንኽቕስቀስ ብምግባር ህይወት 76 ንፁሃን ዜጋታት ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ንኽጠፍእ ዝገበሩ ተኸሰስቲ ካብ 8 ዓመት ክሳብ ዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ተወሲኑዎም።

ብመሰረት እዚ እኒ ፋንቻ ኣምሳያ ብዝተኸሰሱሉ መዝገብ ገበን ሕጊ ፌዴሪኢ ኣብ ዓንቀፅ 240(1ለ)፤(2)፣ 539(1ሀ) እና 27(1) እና 539(1ሀ) ብዝተመልከተ ድንጋገ ብምትሕልላፍ ሓደ ወገን ብኻሊእ ወገን ጦር መሳርሒ ንኸልዕል ብምልዕዓል ሕድሕድ ኲናት ንኽለዓል ብምግባር ብዝፈፀሙዎ ገበን ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ተዘዋዋሪ መጋባእያ ዞባ መተከል ቀሪቦም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ብሓፈሻ 76 ንፁሃን ዜጋታት ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ህይወቶም ንኽጠፍእ፣ ኣብ ልዕሊ 20 ሰባት ከቢድ ጉድኣት ንኽበፅሕ፣ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ መረበቶም ንኽመዛበሉ ብምግባርን ግምቱ ልዑል ዝኾነ ንብረት ንኽዝረፍን ንኸዓኑን ብምግባር ተግባር ገበን ብምስታፎም ብዝፈፀሙዎ ገበን ብዓቃቢ ሕጊ ተኸሲሶም፡፡

ብመሰረት እዚ ተዘዋዋሪ መጋባእያ ዞባ መተከል 12 ጉንበት 2014 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ 4 ተኸሰስቲ ዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ፣ 1 ተኸሳሲ ብ25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲን 1 ተኸሳሲ ንኣካለ መጠን ዘይበፅሐ ብምዃኑ፥ ብፍሉይ ኩነታት ብ8 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ከምኡ እውን ተኸሰስቲ ካብ ሲቪል መሰላቶም ን5 ዓመታት ተኣጊዶም ንኽፀንሑ ውሳነ ተመሓላሊፉዎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.