Fana: At a Speed of Life!

8ይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ሩሲያ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሻምናይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ሩሲያ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ኢኮኖሚ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ትምህርቲ ከምኡ እውን ዘፈር ንግድ ብዝበለፀ ኣብ ዘጠናኽሪ ዛዕባታት ክዝቲ ኢዩ።

ፅባሕ ኣብ ዝጅመር ኣኼባ ንምስታፍ ድማ ልኡኻት ሩሲያ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ፡፡

እቶም ልኡኻት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ÷ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.