Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ነዳዲ ዝፀዓና ኣርባዕተ መራኽብ ኢራን ዓጊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ነዳዲ ፅዒነን ናብ ቬንዝወላ ዝጓዓዛ ዝነበራ ኣርባዕተ መራኽብ ኢራን ከም ዝሓዘት ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ፍትሒ እታ ሃገር ከምዝበሎ፥ ነተን ነዳዲ ዝፀዓና መራኽብ ብዕውት መገዲ ከም ዝሓዘን ኣፍሊጡ ኢዩ።

እንተኾነ እተን ነዳዲ ዝፀዓና መራኽብ መዓስን ኣበይን ከም ዝተታሕዛ እቲ መግለፂ ኣየነፀረን።

እቲ ናይ ነዳዲ ሰደድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣመሪካ ከም ዝጠሓሰ ዋሽንግተን ገሊፃ።

ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ቬኔዝወላ ብግደኦም፥ እተን መራኸብ ኾና ወነንቲ እተን መራኽብ ኢራናውያን ከም ዘይኮኑ ሓቢሮም።

እተን ኣርባዕተ መራኽብ ክተሓዛ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክሲ ከም ዘእተወት ዝገለፀት ኣሜሪካ፥ እቲ ቤት ፍርዲ ነተን መራኽብ ንክተሓዛ ዘኽእል መምርሒ ከም ዝሃበ ኣፍሊጣ።

ኣሜሪካ፥ ንሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ መዝገብ ግብረ-ራዕዲ ኣእቲያቶም ከም ዘላ ይፍለጥ።

ኢራን ብግደኣ፥ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዝርከብ ሰራዊት ኣሜሪካ ከም ኣሸባሪ ጉጅለ ከም እትፈልጦ እያ እትሕብር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.