Fana: At a Speed of Life!

90 ኢትዮጵያውያን ካብ ታንዛኒያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዳይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝኾኑ 96 ኢትዮጵውያን ሎሚ መዓልቲ ካብ ታንዛኒያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

እቶም ተመለስቲ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ እስር ቤታት ዝፀንሑ ምዃኖም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛኒያ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ኢሪንጋ ኣብ ዝበሃል ግዝኣት ታንዛኒያ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሑ 104 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ምምላሶም ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞሮጎሮ፣ ሩቩማ፣ ንጆም፣ ቤምቤያን ሶንግዌን ተባሂሎም ዝፅውዑ ግዝኣታት ታንዛኒያ ዝነበሩ 294 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላሶም ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.