ሃገራት ዓለም ብዝተፈላለዩ ክብረ በዓላት ሓዱሽ ዓመት 2020 ተቐቢለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራት ዓለም ሓዱሽ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ብድሙቕ ምርኢታት ርችትን ዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት  መስተንግዶን ብምክያድ ተቐቢለን።

ኒውዝላንድ፣ ኣውስትራሊያን ካልኦት ኣናእሽቲ ሃገራት ደሴት ፓስፊክን ሓዱሽ ዓመት 2020 ብምቕባል ፈለምቲ ሃገራት እንትኾና፥ ብምቕፃል ድማ ካልኦት ሃገራት እስያ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ሃገራት ኣውሮፓን ሓዱሽ ዓመተን ተቐቢለን።

ፓሪስ፣ በርሊን፣ ማድሪድን አቴንስን ሓዊሱ ካልኦት ከተማታት ኣውሮፓ ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ዓበይቲ ምርኢታት ተኹሲ ርችት ኣካይደን።

ኣብ ርእሰ ከተማ ብሪጣኒያ ዝኾነት ከተማ ለንደን ኣካል እቲ በዓል ዝኾነ ዓቢዪ ናይ ጎደና እንግዶት ሙዚቃ ዝተገበረላ እንትትከውን፥ 12 ሺሕ ዝኾኑ ርቺቺታት እውን ተተኲሶም ኢዮም።

ባከርን ሆውላንድን ዝተብሃላ ሰብ ዘይነብለን ደሴታት ድማ ካብ ዓለም መወዳእታ ሓዱሽ ዓመተን ዝተቐበላ ከባቢታት ኢየን ተባሂሉ።

Comments (0)
Add Comment