ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ካብ ሪያል ማድሪድን ባየርሙኒክን ንፍፃመ ትሓልፍ ጋንታ ሎሚ መዓልቲ ክትፍለ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንፍፃመ ንምሕላፍ ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ባየርሙኒክን ዝገብረኦ ናይ መልሲ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሉ። ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ሜዳ ሪያል ማድሪድ ሳንትያጎ ቤርናቢዩ ዝካየደ ፀወታ÷ ንፍፃመ ትሓልፍ ጋንታ ክትፍለየሉ ኢያ፡፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ኣብ ስታዲየም ኣሊያንዝ ኣሬና 2 ማዕረ ምፍልላየን ይዝከር፡፡ ሎሚ ምሸት ዝተዓወተት ጋንታ ትማሊ ምሸት ንፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴይንት ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ) ብምስዓር ንፍፃመ ምስ ዝበፅሐት ጀርመናዊት…
Read More...

ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ዶርትሙንድ ንፍፃመ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ናብ ፍፃመ ንምሕላፍ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መልሲ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴይንት ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ) ብጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ 1 ን 0 ተሳዒራ፡፡ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ሜዳ ፒ ኤስ ጂ ፓርክ ዴስ ፕሪንስ ኣብ ዝተኻደ ፀወታ ዶርትሙንድ 1 ን 0 ብምስዓር ናብ ፍፃመ ፀወታ…

ኣብ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንፍፃመ ንምሕላፍ ሎሚ ምሸት ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንፍፃመ ንምሕላፍ ኣብ ዝካየድ ናይ መልሲ ፀወታ ፈረንሳዊት ፓሪስ ሴን ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ)ን ጀርመናት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ፀወታ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4፡00 ኣብ ሜዳ ፒ ኤስ ጂ ፓርክ ዴስ ፕሪንስ ክካየድ ኢዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ቀዳማይ…

ጁለን ሎፔቴጉይ ኣሰልጣኒ ጋንታ ዌስትሃም ንምዃን ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ጁለን ሎፔቴጉይ ኣብ መወዳእታ እዚ ውድድር ዓመት ኣሰልጣኒ ጋንታ ዌስትሃም ዩናይትድ ንምዃን ተስማዕሚም፡፡ እቲ ስምምዕነት ተፈፃሚ እንድሕር ኮይኑ ድማ ወዲ 57 ዓመት ነበር ኣሰልጣኒ ጋንታ ዎልቭስ ዳግም ናብ ፕሪሚየር ከምዝምለሱ ትፅቢት ይግበር፡፡ ኣሰልጣኒ ዌስትሃም ዴቪድ ሞይስ÷ እታ ጋንታ ኣብ ዝሓለፉ…

ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ዶርትመንድን ፓሪስ ሴንት ጀርሜይንን ክጋጠማ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናዊት ጋንታ ቦርሺያ ዶርትመንድን ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ጀርሜይንን ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቀዳማይ ዙር ፀወተአን ሎሚ ምሸት ከካይዳ ኢየን፡፡ እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ሜዳ ዶርትመንድ ሲገናል ኤዱና ፓርከ ዝካየድ እንትኸውን÷ ናይ መልሲ ፀወታ ድማ ኣብ ፓሪስ ፓርክ ደ ፕሪንስ ክካየድ…

ጋንታታት ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ውሳነ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ክልል ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ ኢዩ፥ ጋንታታት ክልል ትግራይ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ሙሉእ ብሙሉእ ቅድሚ ኲናት…