ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ንማሊ ብበፂሕኻ መልሲ 6 ን 0 ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ንማሊ መዘነኣ ብበፂሕኻ መልሲ 6 ን 0 ስዒራ።

ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ኣብ 3ይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ናይ መልሲ ፀወታኣ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣካይዳ፡፡

9 ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንማሊ መዘነኣ 4 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራታ፡፡

እተን ሸቶታት ድማ÷ እሙሽ ዳንኤል ክልተ ሸቶታት ቅድሚ ዕረፍቲ፤ መዓድን ሳህሉን መሳይ ተመስገንን ድሕሪ ዕረፍቲ ኣመዝጊበንአን፡፡

ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ብሓፈሻዊ ውፅት 6 ን 0 ንማሊ ብምስዓር ክትዕወት ክኢላ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment