ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ናይ ምኽክር ምዕራፍ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኢትዮጵያ ናይ ምምሕዳር ከተማ (ክልላዊ) ምኽክር ምዕራፉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ 21 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝጅምር ምዕራፍ ዝውገኑ ሰለስተ ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ዕላዊ ገይሩ።

ፈለማ ንምኽክር ዝቐርቡ ተሳተፍቲ ብምኽክርን ብልዝብን ናይ ዛዕባ ሓሳባት ከምዘምፅኡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ሂሩት ወልደስላሴ ተዛሪበን።

እዞም መዳርግቲ ኣካላት ዛዕባታቶም ናይ ሓባር ብምግባር ኣተኣኻኺቦምን ኣዋዲዶምን ናይ መፍትሒ ሓሳባት ከቕርቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ከይዲ ዝተፈላለዩ ማርግቲ ኣካላት ንጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ተሳተፍቲ ዝኾኑ ተወከልቲ ከምዝመርፁ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈለዩ 2 ሺሕን 500 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝሳተፉሉ እዚ ናይ ምኽክር ምዕራፍ ንሸውዓተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኢዩ።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment