ህንድን ጣሊያንን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንድን ጣሊያንን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትራት ነዚ ዝበሉ፥ ኣይተ ደመቀ መኮነን መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ብምዃነ ምሿሞም ዝተሰመዖም ታሕጓስ ኣብ ዝገለፅሉ እዋን ኢዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ዶክተር ሱብራማንያ ጄይሻንካር÷ ኢትዮጵያን ህንዲን ኣብ መንጎአን ዘሎ ዓቕሚ ሙሉእ ንሙሉእ ብምጥቃም ንዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ተረባሕቲ ንምግባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ዲ ማዮ ብግደኦም፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ታሪኻዊን ነዊሕ እዋን ዝፀንሐን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ርክብ ኣብ ቀፃሊ ናብ ዝሓሸ ምስግጋር ከምዝግባእ እወን ምብርሆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment