“ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝለኣኽ ረድኤት ንዕጡቓቱ እናቐለበሉን ንነጋዶ እናሸጦን እዩ-መናእሰይ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝለኣኽ ረድኤት እኽሊ ንዕጡቓቱ እናቐለበሉን ዝተረፈ ድማ ንነጋዶ እናሸጦን ንህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ይቐፅዖ ይርከብ ክብሉ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብዘብፅሖ ዘሎ ግፍዒ ተሰኲኖም ናብ ክልል ኣምሓራ ዝኣተው መናእሰይ ትግራይ ገሊፆም።

ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ዘዘራረቦም መናእሰይ ትግራይ፥ እርዳታ ምግብን መድሓኒትን ብኣውሮፕላንን መኪናን ናብ ክልል ትግራይ እናኣተወ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ዝኣቱ እርዳታ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ኣብ ክንዲ ምሃብ ንነገድቲ እናተሸጠን ንናይ ባዕሎም ዕጡቓት እናቐለብሉን ምዃኖም ኣረዲኦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ህዝቢ ትግራይ ናብቲ ክልል ብዝኣቱ ሓገዝ እኽሊ ተረባሒ ከምዝነበረ ዝገለፀ ካብ ዓዲግራት ተመዛቢሉ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝኣተወ መነእሰይ መሓሪ አብራሓ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን እቲ ህዝቢ ገንዘበን እኽሊን ኣምፅእ እናተብሃለ በግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት መከራ ይበፅሖ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

“ኣውሮፕላን ኣብ መዓልቲ ከልተ ግዘ ሓገዝ እኽሊ ብምሓዝ ናብ ትግራይ ይመላለስ፤ መኻይን ብኣንፈት ክልል ዓፋር ብዙሕ ሓገዛት ፅዒነን ናብ ትግራይ ይኣትዋ” ዝበለ እቲ መንእሰይ፥ ይኹን እንበር ህዝቢ እቶም ሓገዛት እኽሊን መድሓኒትን ኣበይ ከምዝኣትዉ ኣይፈልጥን ኢሉ።

እቶም መድሓኒታት ንንይ ውልቀ ኣብያተ መድሓኒት ከምዝሽየጡ እውን ሓቢሩ።

ብመሪሕነት ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ሓገዝ መግብን መድሓኒትን መነግስታት ዓለም ናብ ትግራይ ይኣቱ ከምዘየለ ይዛረቡ ኣለዉ ዝበለ መንእሰይ  መሓሪ፥ ቅድሚ ምዝራቦም እቲ ሓገዝ ናበይ ይኣቲ ከምዘሎ ክሓቱ ኣለዎም ኢሉ።

ሚዛኒ ዝጎደሎ ወቐሳ ማሕበረሰብ ዓለም አወን ኣውጊዙ።

ነህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ዘውድእ ዘሎ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ከምዝኾነ እውን ክግንዘብ ይግባእ ኢሉ።

ነባሪ ዓዲ ጉደም ዝኾነ ቢኒያም ኣርኣያ ብግድኡ፥ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ንሓገዝ ተመዝጊቡ ዋላ ሓንቲ ግዜ ከምዘይረኸበ ገሊፁ።

ኣብዝሓ ህዝቢ አወነ ሓገዝ ከምዘይረክብ ዝገለፀ ቢኒያም፥ “ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ ናበይ ኢዩ ዝኸይድ ዝብል ፈጣሪ ጥራሕ ኢዩ ዝፈልጦ” ኢሉ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment