ህወሓት ወረራ እናስፈሐ ምእዋይ ቀፂሉሉ ኣሎ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ህወሓት ወረራ እናስፈሐ ምእዋይ ቀፂሉሉ ኣሎ” ክብል ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ::
ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ህወሓት ተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም ነፂጉ በቢኣንፈቱ ብዝለኮሶን ሎሚ መዓልቲ እውን እናስፋሕፈሖ ዝርከብን ሓዊ ንፁሃን እናተቐተሉ፣ ህዝቢ እናተመዛበለ፣ ንብረት እውን እናዓነወ ይርከብ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምዝረአ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሃገር ናይ ምጥፋእ ተግባሩ ምግታእ ግቡእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ከምዝወደቐ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።
ምኽንያቱ ድማ፦
1. እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሰላምና ከየፍርሶን ሃገርና ከየፍርሳን ምክልኻል ስለዝግባእ፤
2. ህወሓት ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ሓገዝ ንዝተፀገመ ህዝቢ ከይበፅሕ፣ ብተፃራሪ እቲ ሓገዝ ንኲናት ክውዕል እናገበረ ስለዝኾነ፤ መንግስቲ ሓገዝ ንተረዳእቲ ክበፅሕን ኣብ ትግራይ ዕሩይ ኩነታት ብምፍጣር እቲ ህዝቢ ካብ ፀገም ናይ ምክልኻል ግቡእ ስለዘለዎ፤
3. ህወሓት ብእኩይ ተግባሩ ንህዝቢ ብጥሜት ንምቕፃዕ ዓሊሙ ተደጋጋሚ ኲናት ዝኸፍት ኣብ እዋን ክረምቲን እዋን ሕርሻን ስለዝኾነ መንግስቲ ነቲ ወራር እናተኸላኸለ ዝርከብ ህዝቢ ካብ ጥሜት ናይ ምድሓን ግቡእ ስለዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብምዃኑ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት እናጋጠሙ ዝርከቡ ጥፍኣታት ጠጠው ክብሉ ንምግባር መንግስቲ ሰላማዊ ኣማራፂ ዝገበሮም ፃዕሪታት ኩሎም እናመኸኑ ኣብ ዝርከቡሉ ኩነታት፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ፅዕንቶ ክገብሩ እናተገበአ “ክልቲኦም ወገናት” ብዝብል ዝወፅኡ መግለፂታት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ስለዝኾኑ ተቐባልነት ከምዘይብሎም ኣቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብሪሁ።
ስለዝኾነ ህወሓት ተደጋጋሚ ኣማራፂ ሰላም ብምንፃግ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ሃገርና ከይብትን፣ ሓይሊ ምክልኻልና ብኹሉ ኣንፈት ዝተኸፈቶ ወራር ምስ ደላዪ ሰላም ደጀን ህዝቢ ብምዃን ብፅኑዕ ጅግንነት እናተኸላኸለ ይርከብ” ክብል ገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment