ሉሲታት ፈላማይ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ከካይዳ እየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ (ሉሲታት) ፈላማይ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 9፡00 ምስ ቡሩንዲ መዘናኣ ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ክተካይድ ኢያ።

ብኣሰልጣኒ ፍሬው ሃይለገብርኤል ትስልጥን እታ ሃገራዊት ጋንታ÷ 26 ተፃወትቲ ብመሓዝ ካብ 3 ጳጉሜን ጀሚራ ኣብ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ልምምድ እናገበረት ፀኒሓ።

ምስ ጋንታታት ውሽጢ ሃገር እውን ዝተፈላለዩ ፀወታታት መለክዒ ዓቕሚ እናገበረት    ፀኒሓ ኢያ፡፡

ናይ መልሲ ፀወታ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ብስምምዕነት ፌዴሬሽናት ኩዕሾ እግሪ ክልቲአን ሃገራት 15 መስከረም 2016 ዓ.ም ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ከምዝካየድ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሉሲታት ኣብ ፀወታ በፂሕኻ መልሲ እንተተዓዊተን ኣብ ቀፃሊ ዙር ካብ ሃገራት ዩጋንዳን ኣልጄሪያን ተዓዋቲት ምስ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ክትፃወት ኢያ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment