ሊቨርፑልን ቼልሲ ንመጋጥምተን ስዒረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 14 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ሜደአን ዝተፃወታ ጋንታታት ሊቨርፑልን ቼልሲን ዓወት ቀኒዑወን።

ንጋንታ ብራይተን ዝኣንገደት ቼልሲ 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ክትወፅእ ክኢላ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሜዳኣ ዝተፃወተት ጋንታ ሊቨርፑል ንፉልሃም 4 ን 3 ብምስዓር ተዓዊታ።

ኣብቲ ሊግ ዝተኻየደ ካልኦት ፀወታታ÷ ጋንታታት በርንማውዝን ኣስቶቪላን 2 ማዕረ እንተፈላለያ፤ ክሪስታል ፓላስን ዌስት ሃምን ድማ 1 ን 1 ማዕረ ተፈላሊየን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተኻየደ ዝርከብ ድማ ናይዚ ሰሙን ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ጋንታታት ማንቸስተር ሲቲን ቶትንሃም ሆትስፐርን ድማ ሰለስተ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment