ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ ሕጊ ታክሲ ኣብ ምኽባር መርኣያ ክኾኑ ይግባእ – ኣይተ ላቀ ኣያሌው

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ ሕጊ ታክሲ ኣብ ምኽባር መርኣያ ክኾኑ ከምዝግባእ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው ገሊፆም።

ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ ሚኒስቴር እቶት፥ ምስ ከፈልቲ ግብሪን መዳርግቲ ኣካላትን ተዛቲዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው፥ ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ ናይ ሓሶት ደረሰኝ ካብ ምጥቃምን ናይ ሓሶት ኪሳራ ካብ ምፍላጥ ተቖጢቦም ንሕጊ ታክሲ ተገዛእቲ ብምዃን ዘበናዊ ስርዓት ንግዲ ብምፍላጥ ማእኸል ልህቀት ክኾኑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ኣዋርሕ ካብ ዝተኣከበ ሓፈሻዊ ኣታዊ፥ ብፅሒት ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ 50 ሚኢታዊ፤ ካብ ውሽጢ ሃገር ኣታዊ ድማ 80 ሚኢታዊ ብፅሒት ኣሎ ኢሎም፡፡

መካየዲ ስራሕ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ ኣይተ ተሬሳ እንሴሱ ብግደኦም፥ እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ወርሒ ብር 79 ነጥቢ 98 ቢሊየን ብምእካብ 108 ሚኢታዊ ናይ ትልሚ ምዕዋቱ ከምኡ እውን ብብርኪ ፌዴራል ተሸለምቲ ዝነበሩ 150 ከፈልቲ ግብሪ ፍሉይ ኣገልግሎት እናሃበ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment