ልምዓት ሩዝ ኣብ ሓፂር እዋን ዓወት እናተመዝገበሎም ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ኢኒሼቲቫት ሕርሻ ቀዳማይ ኢዩ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልምዓት ሩዝ ኣብ ሓፂር እዋን ዓወት እናተመዝገበሎም ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ኢኒሼቲቫት ሕርሻ ቀዳማይ ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ድሕሪ ብሕራነ ትልሚ ምውፅኡ ካብ ሞንጎ ዝተኣወጁ ኢኒሼቲቫት ሕርሻ ኣብ ሓፂር እዋን ዓወት ካብ ዘመዝገቡ  ሓደ ልምዓት ሩዝ ቀዳማይ ቦታ ከምዝሕዝ ኣብሪሆም።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልምዓት ሩዝ ናይ መሬት ሽፋን ብ10 ዕፅፊ ምውሳኽ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን መፍረያይነት ንምድንፋዕ ከምዝስራሕ ሽፋን መሬት ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ተግባራት ከምዝውገኑ ኣመልኪቶም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment