ልምዓት ኢኮ ቱሪዝም እምባ ጮቄ ተዓዋቲ ውድድር ዘደንቑ መንደራት ቱሪዝም ዓለም ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ዝርከብ ልምዓት ኢኮ ቱሪዝም እምባ ጮቄ ተዓዋቲ ውድድር ዘደንቑ መንደራት ቱሪዝም ዓለም ኮይኑ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ቱሪዝም ዓለም÷ ንልምዓት ኢኮ ቱሪዝም እምባ ጮቄ ተዓዋቲ ብምግባር መሪፁዎ።

እቲ ሽልማት ሚኒስትር ዲኤታ ቱሪዝም ስለሺ ግርማ ምስ ተወከልቲ ሙሉ ኢኮ ሎጅ ጮቄ ብምዃን ኣብ ስዑድ ዓረብ ከተማ ኣሉላ ተቐቢሎምዎ።

ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ልዕሊ 50 ሃገራትን ልዕሊ 100 መስሕባት ቱሪዝምን ከምዝተሳተፉ ካብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment