ልኡኽ ኢንቨስትመንት ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኽ ኢንቨስትመንት ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዑደት ኣሳሊጦም።

እቲ ልኡኽ፥ ብምክትል ፀሓፊ ቀዋሚ ኮሚቴ ግዝኣት ጂሊ፣ ምክትል ሴክሬታሪ ጄኔራል ምምሕዳር ፉያንግ ዋንግ ፈሂሁ፣ ኣዶ መንበር ኮሚቴ ምትሕብባርን ሕውነትን ኢትዮጵያ ቻይና ቤቲ ዙ ዝተመርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፓርክታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ፀጋዬ ዘካሪያስ፥ ኣብቲ ፓርክ ናይ ዘለዉ ኣፍረይቲ ኩባኒያታት ምንቅስቓስ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ምርኣዮም ኣብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ኮርፖሬሽን ዘዳለዎም ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት፣ መሰረተ ልምዓታት ከምኡውን መተባብዒታት ሓዊሱ ዝርዝር መብርሂ ተዋሂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment