ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮያውያን ከም ባህሊ ክሳብ ዝቑፀር ብትግሃት ብምስራሕ ሓምለዋይ ዝለበሰት ኢትዮጵያ ጋህዲ ክንገብር ኢና – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮያውያን ከም ባህሊ ክሳብ ዝቑፀር ብትግሃት ብምስራሕ ሓምለዋይ ዝለበሰት ኢትዮጵያ ጋህዲ ክንገብር ኢና ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኢትዮጵያ ኩለን ክልላት ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ልዕሊ 32 ቢሊየን ፈልሲታት ዝተተኸሉ እንትኾኑ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ድማ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ብዝተገበሩዎ ክትትል 90% ክፀድቁ ክኢሎም፡፡

ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ህይወታዊ ሃፍቲን እንትጠናኸርን ተኸታታሊ ብዝኾነ መገዲ እንትስራሕን ካብ ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ናፃ ዝኾነን መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣን መሰረት ዝገበረ ከባቢያዊ ንብረት ኣየር ንኽህሉ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኽገብር ዕድል ዝህብ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተፃራሪ ዝዓረቐ መሬትን ከባቢን ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምንቅስቓሳት ዝህልዎ ፅዕንቶ ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ስነ ልቦናዊ ልምላመ፣ ሰላም፣ ደስታ፤ ፍቕሪን ተስፋታትን እውን ይህቡ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ መላ ሃገር ብዝተተኸሉ ፈልሲታት ቅድም ክብል ዓሪቖም ዝነበሩን ምጉሕጓሕ ሓመድ ኣጋጢሙዎም ዝነበሩን ከባቢታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝነበሩዎ ምስሎም እናተመለሱን እቲ መሬት እውን እናንሳዕረረ ከምዝኾንን ሰብ ሞያ ሕርሻ ምስክርነቶም እናሃቡ ይርከቡ፡፡ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ውፅኢት እናርአየ ይርከብ፡፡

ተደጋጋሚ ድርቂ እናጋጠሞም ዝነበሩ ከባቢታት ዝናብ ምርካብ ጀሚሮም ኢዮም፣ ሓደጋ ውሕጅ ክንኪ ክኢሉ ኢዩ፣ ዝደረቑ ፍልፍላትን ቃላያትን እንደገና ናብ ዝነበሩዎ ክምለሱ ክኢሎም ኢዮም፣ ንስራሕቲ ሕርሻ ሓጋይን ፅድያን ዝስማዕማዕ ዝናብ ምርካብ ተኻኢሉ ኢዩ፡፡ ብመንፅር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንመኖ እንስሳት፤ ንህቢ ንምርባሕ፤ ንመሸጣ ካርቦንን ንጎረባብቲ ሃገራት ፅቡቕ ርብትናን ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ልዑል ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ዓመት 2016/17 ኣብ 132 ሺሕን 144 ጣቢያታት መፈልፈሊ ፈልሲታት ምድላው መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስንዳእ 6 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ፈልሲ ንምትካል ምድላዋት ቅድመ-ተኸላ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እናተሰርሑ ይርከቡ፡፡ ኣብ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት 25 ሚኢታዊ ዝኸውን ኣብ ተፋሰሳት ኣባይ ክትከሉ ኢዮም፡፡ ምድላው ፈልሲን ተኸላን ሓምለዋይ ኣሰር ንብዙሓት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ሰፊሕ ፈጠራ ዕድል ስራሕ እናፈጠረ ከምዝኾነ ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡

ኣብዚ ዓመት ተኸላ ፈልሲ ኣብ 6 ሺሕን 200 ተፋሰሳት ስራሕቲ ስነ-ኣካላዊ ብምስራሕ ኣብ ተግባራት ስነ-ህይወታዊ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እናተወገኑ ይርከቡ፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንተኸላ ዝተሰናድኡ ፈልሲታት ብዙሕ ኣተዊ ዘምፅኡ ኣትክልቲን ፍረምረን፤ ጥሙር ደኒ፤ ንፅባቐ ከተማነት ዝውዕሉን ንደኒ ዝውዕሉን ኢዮም፡፡ ንካልኣይ ምዕራፍ ካልኣይ ዓመት ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ኩሉ ተሳትፎን ድልዉነትን ትፅቢት ይግበር፡፡

ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮያዊያን ከም ባህሊ ክሳብ ዝቑፀር ብትግሃት ብምስራሕ ሓምለዋይ ዝለበሰት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ብሓባር ጠጠው ክንብል ይግባእ፡፡

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment