ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዳግማዊ ሚኒልክ ደው ኢሉ ዝነበረ ሕክምና ሕፅበት ኩላሊት ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዳግማዊ ሚኒልክ ደው ኢሉ ዝነበረ ሕክምና ሕፅበት ኩላሊት ከምዝጀመረ ቢሮ ጥዕና ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ዮሃንስ ጫላ፥ እቲ ሆስፒታል ምስ ኣብ ሜዲካል ሴንተር ብምትሕብባር ኣገልግሎት ሕክምና ሕፅበት ኩላሊት ይህብ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እንበር ኣብ ሜዲካል ሴንተር ነቲ ውዕል ብዘይ ምንም ቅድመ መጠንቀቕታ ከምዘቋረፆ ገሊፆም።

ሚድሮክ ግሩፕ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝገበሮ ደገፍ 40 ሚሊየን ብር ተወሰኽቲ 10 ማሽናት ብምእታው እቲ ኣገልግሎት ዳግም ከምዝተጀመረ ኣረጋጊፆም።

ብሲሳይ ጌትነት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment