ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ዝኸውን ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ዝኸውን 46 ሜትሪክ ቶን ምግቢን ቀረብ ሕክምናን ብሓገዝ ኣበርኪታ።

ኣምባሳደር ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ መሓመድ ሳሌም ኣል ራሺዲ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብንኢትዮጵያን ጥንኩር ርክብ ከምዘለወን ገሊፆም፡፡

እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሰብኣዊን ኩነታት ልምዓትን ንምሕጋዝ እናሰርሐት ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ካልኦት ሃገራት ዓለም ሓገዝ ከምትገብር ምግላፆም ግልጋሎት ዜና ኢሚሬትስ ፀብፂቡ፡፡

ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ፥ ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምሕጋዝ 5 ሚሊየን ዶላር ንምልጋስ ቃል ኣቲያ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment