ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማራቶን ኒውዮርክ ንኣፍሪካ ዘፀውዑ ኣትሌታት ምስጋና ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ማራቶን ኒውዮርክ ንኣህጉር ኣፍሪካ ዘፀውዑ ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ኣትሌታት ምስጋና ኣቕሪቡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ÷ ኣብ ማራቶን ኒው ዮርክ ንዝተዓወቱ ኣትሌታ ኢትዮጵያን ኬንያን እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡

በመሰረት እዚ ኣብ ማራቶን ኒው ዮርክ ንዝተዓወተ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታምራት ቶላ፣ 3ይ ንዝወፅአ ኣትሌት ሹራ ቂጣታ ከምኡ እውን 2ይ ብምዃን ንዝዛዘመ ኬንያዊ ኣትሌት ኣልበርት ኮሪር እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሉ፡፡

ብተመሳሳሊ ብደቂ ኣንስትዮ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ንዝዛዘመት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይን 1ይቲን 3ይቲን ንዝወፅኣ ኬንያውያን ኣትሌታት ሄለን ኦቢሪን ሻሮን ሎክዲን መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለክን ኣመሓላሊፉ፡፡

እቶም ኣትሌታት ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ሽም ኣፍሪካ ክፅዋዕ ብምግባር ንዘምፅኡዎ ኩርዓት እቲ ሕብረ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment