ሕክምና ካንሰር ህፃናት ብ8 ሳተላይት ክሊኒካት ተበፃሒ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕክምና ካንሰር ህፃናት ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ዝርከባ 8 ሳተላይት ክሊኒካት ተበፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ሕክምና ካንሰር ተበፃሒ ንምግባር ሳተላይት ክሊኒካት ኣብ ምውዳብ ዘድሀበ መድረኽ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ተወከልቲ ዩኒቨርሲቲታት፣ ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን፣ መዳርግቲ ኣካላት፣ መሓዙት ትካላት ከምኡ እውን ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕና ክልላት ተሳቲፎም፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብቶም ፕሮጀክታት ዝተኻየደ ዳህሳስ መፅናዕቲ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንተሳተፍቲን መዳርግቲ ኣካላትን ንምቕራብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment