መልእኽቲ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

“ህዝቢ ትግራይ ን 17 ዓመታት ኣብ ዘካየዶ መሪር ዕጥቃዊ ቓልሲ ንምእማኑ ዘፀግም ኹለ መዳይ መስዋእትነት ብምኽፋል ታሪኻዊ ሕዝባዊ ዓወት ንኽተመዝግብ መሰረት ቓልስኻ ዝኾነት 11 ለካቲት እንኳዕ ኣብፀሓካ ኣብፀሓና።

ኹሉ ዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ መስዋእትነትን መጉዳእትም ዝተመዝገበ ዓወትን ትርጉም ዝህልዎ ህይወትን ናብራ ህዝብን እንትልወጥ ብምኻኑ ናብ ዘይተርፍ ዓወት እንትንስጉም ህዝቢ ትግራይ ነቲ ብደሙን ኣዕፅምቱን ዘረጋገፆ መሰልን ረብሓታትን ንድሕሪት ንምምላስ ኹለ መዳይ ምርብራብ ይግበር ኣሎ።

ስለዝኾነ ውን ነዚ ፀረ ህዝብን ምዕባለን ምንቅስቓስ መኪትና ብዕሊ ጉዕዞና ንምስላጥ ከም ወትሩ መስመርና ኣፅኒዕና ንመርሽ።

ርሑስ በዓል መበል 45 ዓመት ልደት ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ሕድሪ ሰማእታትና ኣይነዕብርን!
ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና!”
ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment