መራኸብቲ ሓፋሽ ሓበራዊ መግለፂታት ብምጉላህ ናይ ሓባር ተረኽ ኣብ ምፍጣር ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባ ተመልኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ሓበራዊ መግለፂታት ብምጉላህ ናይ ሓባር ተረኽ ኣብ ምፍጣር ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባ ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዳንኤል ክብረት ገሊፆም፡፡

እቶም ኣማኻሪ ሚኒስትር÷ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት “መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሓበራዊ ተረኽ ዝህልዎ ግደ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ ብምርካብ ሓሳቦም ኣካፊሎም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ዘበናት ብሓድነት ዝነብሩሎምን ዘመሓድሩሎምን ዘተኣሳስሩዎም ሓበራዊ ተረኽን ናይ ሓባር ባህሊን ክብሪታትን ከምዘለዉዎም ገሊፆም፡፡

ንኣብነት ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ኣብ ዝውገኑ ባህላዊ ፍፃታት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም ክብሪታት ከምዘለዉ ፀሪሖም፡፡

ይኹን እምበር እእዞም ናይ ሓባር መግለፂታት ኣጉሊህኻ ብምርኣይ ናይ ሓባር ተረኽ ኣብ ምፍጣር ውስንነት ከምዘሎ ኣገንዚቦም፡፡

መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ሊሂቃን ሓሊፉ ሕብረተሰብ ብሓባር ተኸባቢሩን ተኣሳሲሩን ንኽነብር ዘኽአሎ ማሕበራዊ መስተጋብርን ካልኦት ጉዳያትን ብዝምልከት ሓሳቡ ንኸካፍል ናይ ምግባር ልምዶም ትሑት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብምዃኑ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓድነትን ሕብረትን ህዝቢታት ኣብ ዘንፀባርቑ ሓበራዊ መግለፂታት ብምጉላህ ናይ ሓባር ተረኽ ኣብ ምፍጣር ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብመላኩ ገድፍን ሃይለኢየሱስ ስዩምን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment