መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ብዝሃ ህይወት ረብሓ ይህብ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ እናተመናመኑን ኣብ ምጥፋእን ንዘለዉ ብዝሃ ህይወት ረብሓ ይህብ ኣሎ ከብል ኢንስቲትዩት ብዝሃ ህይወት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣፈፃሚ ስራሕ ምርምር እፅዋት ደኒን ሳዕሪን ኣበራ ስዩም፥ እቲ ኢንስቲትዩት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከብ ዝጅመር ጀሚሩ ንሃገር ቦቆል እፅዋት ጠመተ ኣብ ምሃብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሃገር ቦቆል እፅዋት ምትካል ስነ ምህዳር ከባቢ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ምጥፋእ ዝርከቡ እፅዋት ንክምለሱ ሓገዝ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ብዝሃ ህይወት ረብሓ ይህብ ኣሎ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment