መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰልም ንኽዛዘም ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ምድላው ከምዝገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014(ኤፍ ቢሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲን መበል 40 ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ሚኒትራትን ሕብረት ኣፍሪካ ብሰልም ንኽዛዘም ምድላው ዛዚሙ ናብ ወፍሪ ከምዝኣተወ ገሊፁ።

ብኣተሓባባርነት ፖሊስ ፌዴራል ዝምራሕ፤ ሪፐብሊካን ጋርድ፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ኦሮሚያን ዘካተተ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ እቲ ጉባኤ ብሰላም ንኽዛዘም ዘኽእሉ ተግባራት ዝርከቡሉ ብርኪ ገምጊሙ።

ኣብ ምንቅስቓስ ሓይሊታት ፀረ ሰላምዝግበር ክትትል፣ ኣመራርሓን ኣባላቱን ኣብ ትልሚ ዘድሃበ እኹል ግንዛበ ምርካቡ፣ ብሓይሊ ሰብን ሎጂስቲክስን ከምኡ እውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘለዎ ውዳበ ተመልኪቱ፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ ብዝገበሮ ገምጋም፥ ኣብ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው፣ ልውውጥ ሓበሬታ፣ ሓይሊ ፀፅታ ብሓባር ይኹን ብንፅ ክሰርሖ ዝግባእ ሓላፍነት ብኸመይ ከምዝተሳለጡ፣ ተግባራት ራዕዲ ኣቐዲምካ ምፍሻል ዘኽእሉ ልምምዳት፣ መኽበርቲ ሕጊ ሕጊ ነምኽባር ዘለዎም ቁመና ኣብ ዘምልከቱ ዛዕባታት ተዛቲዩ ዝተፀርሑ ጉዳያት ኣብ ልዑል ብርኩ ከምዝርከቡ ኣቐሚጡ።

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ብዙሓት ኣካላት ፀፅታ ከምዝተዋፈሩን መራሕቲ ኣብ ዝእከቡሎም ከባቢታት ዓቢዪ ትኹረት ተዋሂቡ ልዑል ክትትልን ቁፅፅርን ከምዝግበር እውን እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ፡፡

በዓል ቤት ሰላም ዝኾነ መላእ ህዝቢ ነዚ ተገንዚቡ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእን ዘጠራጥር ኩነታት እንተጋጥሙ ብቕልጡፍ ብሓባር ነቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ብቁፅሪ ስልኪታት +251115-52-63-03፣ +251115-52-40-77፣ +251115-54-36-78 ን +251115-54-36-81 ከምኡ እውን ብናፃ መስመር ስልኪ 987፣ 991 ን 816 ሓበሬታ ብመሃብ ወይ ድማ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ሓይሊ ፀፅታ ብኣካል ብምብፃሕ ዝተለመደ ምትሕብባርን ሓገዝን ንኽገብር ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment