መተሓባበሪ ኮሚቴ ብሔራዊ ሚኒስትራት ብሪክስ ኢትዮጵያ መበል ካልኣይ ኣኼብኡ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መተሓባበሪ ኮሚቴ ብሔራዊ ሚኒስትራት ብሪክስ ኢትዮጵያ መበል ካልኣይ ኣኼብኡ ኣካይዱ።

ዕላማ እቲ ኣኼባ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ብሪክስ ዘለዋ ተሳትፎ መግምጋምን ቀፀልቲ ስራሕቲ በዝምልከት ኣንፈታት ምቕማጥን ኢዩ ተባሂሉ።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴን ብሄራዊ ተወካሊ ብሪክስ ኢትዮጵያን ኣይተ ማሞ ምህረቱ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምንቅስቓስ ብሪከስ አትገብሮ ንቑሕ ምንቅስቓስ ንኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ረብሓ፣ ንምዕዋት ሃገራዊ ሸቶታት ልምዓትን ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲን ምጥንኻር ዘለዎ ግደ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ናብ ብሪክስ ንክትፅንበር ዘኽአል ስትራቴጂ ተሳትፎ ብሪክስ ኢትዮጵያ ብዝምልከት እውን እቲ ኮሚቴ ዘቲዩ።

ሰነድ ስምምዕነትን መግለፂ ተሳትፎ ኢትዮጵያን ብዝምልከት እወን ልዝብ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment