መንእሰይ ብሰናይ ስነ ምግባር ዝሃነፀን ኣፍራዪን ዜጋ ንኽኸውን ተዋዲድካ ምስራሕ ይግባእ – ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር )

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንእሰይ ብሰናይ ስነ ምግባር ዝሃነፀን ኣፍራዪን ዜጋ ንኽኸውን ተዋዲድካ ምስራሕ ከምግባእ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ገሊፀን።

እቲ ሚኒስቴር ዘሰናደኦ ኣብ ምክልኻል ፀረ-መዕወኒ ሓሽሽን ኣሉታዊ ልማዳዊ ተግባራትን ዘድሀበ ሃገር ለኸ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ካብ ሚያዚያ ክሳብ ሚያዚያ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፣ ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ጥዕና፣ ማሕበራዊ ልምዓት፣ ባህሊን ስፖርትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወርቀሰሙ ማሞ፣ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝመፅኡ ሓለፍቲን ፕሬዚዳንታት ዩኒቨርሲቲታትን ተረኺቦም።

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር )÷ ንመናእሰይ ተረባሕቲ ንምግባር ኣዋጅ ኣገልግሎት ብሄራዊ ዜግነትን መሰል ማዕቐፋት ሕጊን ብምስንዳእ መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሃገር ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን።

መናእሰይ ዘለዎም ዓሚቕ ዓቕሚ ኣብ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ግደኦም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ መዕወኒ ሓሽሽን መፃእቲ ኣሉታዊ ልማዳዊ ተግባራትን ፈተናታት መናእሰይ እናኾኑ ከምዝመፅኡ ተዛሪበን።

እቲ ሚኒስቴር ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሚያዝያ ብዝብ ጎስጓስ ብምፍጣር ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝነበረ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment