መዓልቲ ሰንደቅ ዕላማ ዝቕፅል ሰኑይ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ሰንደቅ ዕላማ ዝቕፅል ሰኑይ 5 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ከምዝኽበር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ዕለት “ብራኸ ሰንደቕ ዕላማና ዋሕስ ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትናን ሉኣላዊነትናን ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ንመበል 16 ግዘ ክኽበር፡፡

ሃገራዊ እዋናዊ ኩነታት ብዝገልፅ መልክዑ ምስ መምርሒታት ሰንደቕ ዕላማ ተገናዚቡ ሃገራዊ ሪፎርም ኣብ ዘቐፅሉ ምይይጣት ተዓጂቡ ብመሪሕነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መላእ ሃገር ከምዝኽበር ተሓቢሩ፡፡

ምኽባር እቲ በዓል ኣብ ምጥንኻር ህብረ-ብሄራዊ ሓንድነትን ሉኣላዊነትን ምንቕቓሕ ንምፍጣር ዓብዪ ትርጉም ከምዝህልዎ ተገሊፁ፡፡

“ንኽብሪን ረብሓን ሃገር ኩልና ግደና ንምውፃእ ኣብ ቅድሚ ሰንደቕ ዕላማ ዳግም ቃል ንሕደሰሉ ዕለት ክኸውን ኢዩ” ኢሉ እቲ ባይቶ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment