መዓልቲ ኣገልጋላይነት ምኽንያት ብምግባር ግልጋሎት ናፃ ምርመራ ጥዕና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና 1 ጳጉሜን መዓልቲ ኣገልጋላይነት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግልጋሎት ናፃ ምርመራ ጥዕና ኣጀሚሩ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ፣ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ ( ዶ/ር) ን ተረኺቦም፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ÷ ኣገልጋላይነት ንኻሊእ ከም ባዕልኻ ምርኣይ ዝሓትት ተግባር ምዃኑ ኣብሪሀን፡፡

ብብርኪ ሃገር ለኸ እናተውሃበ ኣብ ዝነበረ ግልጋሎት ክረምታዊ ወለንታ ዘዕግብ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ገሊፀን፡፡

በዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ንልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዜጋታት ዝተፈላለዩ ምርመራ ጥዕናን ግልጋሎት ሕክምናን ብናፃ ብምርካብ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡

ኣብ መዓልቲ ኣገልጋላይነት እውን ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ንልዕሊ 250 ሺሕ ናፅ ግልጋሎት ምርመራ ጥዕናን ግልጋሎት ሕክምናን ንምሃብ ከምዝተሓሰበ ኣፍሊጠን፡፡

ወ/ሮ ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ብግደአን÷ ሃገር ክትዓቢ ትኽእል ብቕንዕናን ህርኩትነትን ብዘገልግሉ ዜጋታታ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኩሉ ኣገልጋሊ ንዝበለፀ ትግሃት ክለዓዓል ከምዝግባእ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment